Tigray Health Bureau

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢርኡ ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ማለት እዉን ዋየርለስ እስፒከር ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ክትሳተፉ እተደለዩ መቅረብቲ ትካላት ይዕድም

1 ናይዚ ዘመን ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳእታን ከምእዉን ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ሕሉፍ ወርሒ ቫት ዲክለሪ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅረቡ ይግባእ

4 መከበሪ ጨረታ 20000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ሐደ ዋናን ቅዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ ስቶር ሲ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ይከኣል

6እቲ ጨረታ 21/8/2018 ዓም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ 7/8/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት

7 ሰዓራይ ትካል ብዝተዉሃቦ ስፐስፊኬሽን ከቅርብ አለዎ

8 ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ባዕል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት

10 ሰዓራይ ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ከቅርብ ይግባእ

11 ዝተደለዉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቁፅሪ ስቶር ሲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715