UNITED STEEL AND METAL INDUSTRY P.L.C

ምልክታ ጨረታ

ዕለት:-21/08/2018 

ጨ/ቁፅሪ: 001/2018

ዩናይትድ ስቲልና ሜታል ኢንዳስትሪ ኃ.የተ.የግ ማህበር ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ናይ ፋብሪካ ተረፍ ምህርትታት Slitting Wastage and Coil Cover Materials ካልኦት ተረፍ ምህርቲ ሓፂን መፂንን በጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ትካላት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መለክዕታት መሰረት እዚ ጨረታ ክትሳተፉ ትካልና ዩናይትድ ስቲል ሜታል ኢንዳስትሪ ይዕድም፡፡

1. ናይ እዚ ጨረታ ተሳተፍቲ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ከቕርቡ ይግባእ፡፡ ተጫረቲ ትከላት ኣድላይ ዝኾኑ ሰነዳት ዘይምለስ ኦርጅናልን ኮፕን ነንበይኑ ብዝተዓሸገ ክልተ ኢንቨሎፕ ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ጨረታ ንተጫረቲ ክፍቲ ኮይነ ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 21/08/2018 ዓ/ም እስካብ 05/09/2018 ዓ/ም 10 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ይኸወን፡

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/08/2018 ዓ/ም ንጉሆ ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብዚ ተመሳሳሊ ዐለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተ፡ረኸብሉ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ናይ ጨረታ መኽፈቲ ዕለትን ሰዓትን እንተዘይ ተረኺቦም እውን ትካልና ጨረታ ካብ ምኽፋት ዝእግዶ ነገር የለን።

4. ተጫረቲ ጨረታ መኽበሪ ብር 30,000.00 /ሰላሳ ሽሕ ብር/ በናይ ድርጅትና ስም ብዝተዛጋጀወ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥሬ ገንዘብ ኣብ ጨረታ መኽፈቲ ዕለት ምስ ጨረታ ሰነድ ተተሓሒዙ ክቐርብ ኣለዎ።

5. ዝርዝር መግለፂ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ መቐለ ላጪ ሱር ኮንስትራክሽን ፊት ንፊት ኣብ ዝርከብ ትካለና ቢሮ መምርሒ ዕደጋን ኣቕርቦትን ክፍሊ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይኽእሉ፡፡

6. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ እንትወስዱ ንጨረታ ዝቐረቡ ተረፍ ምህርትታት ዝርዝር መቐለ ላጪ ሱር ኮንስትራክሽን ፊት ንፊት ኣብ ዝርከብ ትካለና ግቢ ውሽጢ ብኣካል ቀሪቦም ክርእዩ ይግባእ፡አሸናፊ ተጫራታይ ትካል ኣሸናፊ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 3 ተኸታታሊ መዓልትታት ውዕሊ ብምእሳር ብሚዛን መሰረት ኣቐዲሙ ክፍሊት ከፊሉ ብጨረታ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ኣብ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ከልዕል ግዴታ አለዎ፡፡

7. ትካልና ዩናይትድ ስቲል ዘሕሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኺ መረዳእታ፡-ብናይ ትካልና ስልክ ቁጥር መቐለ 0901-97-17-44/ 0935-53-53-53

ናይ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ሰነድ

ተ/ቁዝርዝርመለክዒ
1ናይ ስሊቲንግ ተረፍ ምህርቲ (Slitting Wastage)ኪ/ግ
2ናይ ኮይል መእሰርን መሸፈንን(Coil Cover Materials and Bonda)ኪ/ግ

መተሓሳሰቢ፡

• ተጫረቲ ዘእተውዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ወይ ብዘይ ቫቱ ምዃኑ ክገልፁ ይግባእ::

• አሸናፊ ተጫራቲ ውዕሊ ኣብ ዝኣስረሉ 30,000.00 /ሰላሳ ሽሕ ብር/ በናይ ድርጅትና ስም ብዝተዛጋጀወ ኣብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥሬ ገንዘብ ከባ ጠቕላላ ዋጋ ዝሕሰብ ናይ ውዕሊ መኽበሪ ከትሕዝ ኣለዎ::

• አሸናፊ ተጫራቲ ንብረቱ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን ምስ መፅዓንን መራገፍን ወፃኢ ክሽፍን ግዴታ ኣለዎ

• ተጫረቲ በዚ ናይ ትካልና ቅጥዒ ብቻ ዋጋ መሊኦም ከቕርቡ ኣለዎም፡፡