Mekelle town municipality


ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ናይ ፅሬት ኣቅሑትን ናይ ዓበይትን ኣናእሽተይ ማካይን መለዋወጢ ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ሰለዝደሊ::

ተዋዳደርቲ ክማልኡዎ ዝግበኦም ረቛሓታት

1. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ናይ 2018ንግዲ ፍቓድን መቕረባይነት ሰርተፊኬትን ከምኡ እውን ቲን (Tin Number)ን ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ምስቲ ጨረታብፖስታ ተዓሽጉ ከቕርቡ ኣለዎም።

2. ሰነድ ጨረታ ካብ ሚያዝያ 12, 2018 ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ንፅሬት ኣቅሑት ዘይምሰል 500 ንዓበይትን ኣናእሽተይ መካያን መለዋወጢ ኣቅሑትን ሰነድ ጨረታ ዘይምሰል 1000 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል እዩ፡፡

3. ናይ ጨረታ መከበሪ ንፅሬት ኣቅሑት 15,000.00 ንዓበይትን ኣናእሽተይ መካያን መለዋወጢ ኣቅሑትን ሰነድ ጨረታ 50,000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ቸክ ወይ ናይ ባንኪ ውሕሰና ዘለዎ ከድሕዙ ዝክእሉ፡፡

4. ጨረታ ዝዕፀውሉ ዕለት 27/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኮኑ ብተመሳሳሊ ዕለት 27/08/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡

5. ናይ ጨረታ ሰነድ ብ፪ ኮፒት ሓደ ዋና ሓደ ቅዳሕ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6. ተጨረቲ ዘሸንፎር ኣቅሓ ኦርጅናል ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል