ግልፂ ጨረታ
ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ናይ ውጉኣት ተጋደልቲ ፅሬት መናፀሂ ክዕደግ ንደሊ ።በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም።
1) ተጫረቲ ንሕና(ማ/ተ/ ሰ/ትግራይ መለስ ካምፓስ) ዝመረፅናዮ ሳምፕል መሰረት ክቅርቡ ይግባእ።
2) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን(ቲን ናምበር ናይ ኣቅራባይነት ፍቃድን ዘለዎምን ኣድላዪ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።
3) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ንፁር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርቡን ኣብ ኣማላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ ይግባእ ።
4) ተጫረቲ ብማተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 20/08/2018 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለ27/08/2018ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።
6) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዜ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።
7) እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 27/08/201ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4:30 ይክፈት ።
8) ናይ ጨረታ መኽበሪ 100,000 ( ሓደ ሚኢቲ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብ ተሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።
9) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150(ሓደ ሚኢትን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካል ናፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።
11) ተጫረቲ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፍከት ኮፒ ከተሓሕዙ ኣለዎም ተቕርብዎ ዋጋ ድማ ሻት ዝሓውስን ዘይሓውስን ምዃኑን ክግለፅ ኣለዎ። እንድሕር ዘይገሊፁ ሻት ዝሓወሰ ሙኳኑ ይፍለጥ።
12) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ጠቅሊሉ ኣታዊ ይገብር።
13) ተጫረቲ ናይ 2017 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ናይ 2018 ግብሪ ከም ዝከፈለ መራጋገጺ ሰነድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ክኮውን ኣለዎ።
14) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።