Edaga Hamus Water Supply and sanitation Office

ቑፅሪ ቅ/ዋኦ/ ጨ/001

ዕለት 19/08/2018

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ሰራሕቲ ኦዲት

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዕ/ሓሙስ ካብ ዕለት 01/11/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 30/10/2014 ዓ/ም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቃስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደልኩም ውልቀ ኦዲተራትን ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ክግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ንክሳተፉ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሒ

1. ንቤት ዕዮና (ትካልና) ኦዲት ንምክያድ ዘኽእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለዎም

2. ናይ 2018 ዓ/ም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰን ንግዲ ምዝገባ ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ (ተመዝጋቢ ንዝኾነ) ፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይነት /Tin No/ን ካልኦት ንጨረታ ዝጠቕሙ መረዳእታት ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል፣

3. ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ ዕ/ሓሙስ ከተማ/ ትካል ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ፣

4. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ቢሮ ቁፅሪ 07 ካብ ዕለት 19/08/2018 ክሳብ 28/08/2018 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 300.00 /ሰለስተ ሚኢቲ ከፊሎም ምውሳድ ይኽእሉ

5. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእተኦም ምስ ዋና /ኦርጅናል ብምግንዛብ ፋይናንሻል ዋጋ/ መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ድማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብጠቅላላ ኣብ 4ተ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕዱ ፖስታ ድማ ናይ ተጫራቲ ስሞ ፣ ኣድራሸ ፣ ፊርማ ፣ ኦርጅናል ዋና/ን ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፍሉን ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዕ/ሓሙስ ቢሮ ቑፅሪ 01 ዝተዳለወ ሳፁን (ሳንዱቕ) ክሳብ ዕለት 28/0/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ከእትው ኣለዎም።

6. እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዕ/ሓሙስ ቢሮ ቁፅሪ 01 ዕለት 28/08/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30_ተጫረቲ ወይ ድማ

ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ይኽፈት ፣ ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7. ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ _ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914784957/0914121492 ምሕታት ይከኣል።