ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት መዛጋጃ ከተማ መቐለ ን2018ዓ/ም ተባሂሉ ካብ ዝተመደበ በጀት ንቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ንከይዲ ስራሕ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋን ድልውነትን ንሰራሕተኛታት ግልጋሎት ዝውዕል ፀባ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ በቲ ዘርፊ ፍቃድ ዘለኩም ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም።
ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኦ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም
1. ናይ ዘመኑ2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ቲን/TI/፣መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ናይ ቫት ሰርተፍኬት ናይ ወርሒ ለካቲት 2018 ወርሓዊ ቫት ሪፖረት ወይ ዲክላረሽን ከቅርብ ዝኸእል።
2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ሰራሕ ት/ባ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ካብ ዕለት 12/08/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ ብር 500.00/ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር / ብምክፋል ምውሳድ ይካኣል።
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ 10,000 ብር ብcpo፤ብጥረ ገንዘብ ፤አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ቸክ/ናይ ባንኪ ጋራት/ከትሕዝ ዝኸእል/
ትኸእል።
4. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት22/08/2018 ዓ/ም ስዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ተመሳሳሊ ዕለት 22/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት እንተዘይ ተረኸቡ ውን ንምኸፋት ዝኸልክል ኣይኮነን።
5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል 6.ተወዳዲሮም ዘሸነፍዎ ንብረት ኦርጅናል ንብረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ክኸውን ኣለዎ።
7. መረዳእታ ደኩመንት ማለት ንግዲ ፍቃድ፤ቲን ናምበር፤መቅረባይነት፣ናይ ቫት ሰርተፍኬት ፣ ናይ ወርሒ ለካቲት 2018 ወርሓዊ ቫት ሪፖረት ውይ ዲክላረሽን አብ ናይ ጨረታ ሳንድቁ ምስ ሰነድ ጨረታ አታሓሒዙ ዘየቅረበ ተወዳደራይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።
8. ብዉድድር አሸናፋይ ዝኮነ ትካል ብናይ ባዕሉትራንሰፖርት ናብ ቤት ፅሕፈትና ንብረት ክፍሊ ከረክብ ዝኸእል
9. ናይ ጨረታ መዕፀውን መኸፈትን በዓል እንተዊዒሉ ኣብዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ስዓት ዝኸፈት ይኸውን
10. ቤት ዕዮና አብ ዘዉፀኦ ንብረታት 20% ናይ ምዉሳኽን ምቅናስን ዝኽእል ምካኑ እዩ።
11. ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂእንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ'።
12. ኣድራሻና አብ ዋና ቤት መዛገጃ ከይዲ ስራሕ ት/ባ/ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር 3 ደብሪ እዩ። 13.ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ/0914414232/0914747482 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ
ምስ ሰላምታ