Relief Society Tigray

ጨረታ ምልክታ

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ አሌክትሮኒክስ ኣቁሑ (Electronics Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብሮ፡፡ 

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /300.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ።

2.ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬት፣ ቲን ቁፅሪን፣ ንግዲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገ ሙሉእ ደኩመት ክተቕርቡ ትክእሉ ሓዱሽ ቅብሊት ብሚኒስትሪ እቶት ፍቃድ ዝተሓተመ ዘለኩምን ፡

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸናይ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም።

4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 07/08/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 20/08/2018 ዓ.ም እዮ ። እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/08/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5:00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ። ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 20/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ::

6. አቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግዕ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም / ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዕኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ : ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) ምስራዝ ኣይከኣልን ።

9. እቲ መእዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።

10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡