The daughters charity

ምልክታ ጨረታ

ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባዕሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ CCO ገባሪ ሰናይ ትካል ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘመናዊ ቆፎ ንህቢን ሽምዒን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ ንዘመናዊ ቆፎ VAI ተመዝገብቲ ብሕርሻ እታተወታት ፈርኒቸር ንግዲ ፍቕድ ዘለኩም ሕጋዉያን መቕረብቲ

➢ ንሽምዒ VAI ተመዝገብቲን ናይ ሕርሻ እታወታት ቕረብቲ ዝኾንኩም ሕጋዉያን ነጋዶ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 27/03/2026 ኣ.ፈ ክሳብ ዕለት 31/03/ 2026 ኣፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ ተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸእሉ።

➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 31/03/2026 ኣ ፈ ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኽፈት ::

መብርሂ፤ ሰነድ ጨረታ ቐዳምን ሰምበትን እዉን ምዉሳድ ይክኣል እዩ

Mekelle, Tigray, Ethiopia P.O. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Email dccoordinator@ethionet.et