Tigray High Court
⚡ AI Quick Summary
* ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኤሌክትሮኒክስ ብምፅራይ ዕደጋ ፕሮፎርማ ክዕድግ ስለዝደለየ፣ ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ሰርቲፊኬትን ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN) ዘለዎም ተወዳደርቲ ይዕድም።
* ተጫረቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ብስም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይሩ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክቕርብ ዝግቦኦ ኮይኑ፣ ኣብ ዝመላእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዩ ብፌርማ ክረጋገፅ ኣለዎ።
* እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 01/07/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 03/07/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ብዕለት 04/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅ.ኣ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅ.ኣ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ይክፈት።
* ዘሸነፈ ተወዳዳሪ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ነቲ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ (ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ምድዋል ይከኣል)።

ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን |27 /2018

ዕለት:- 01/07/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ ጀስትስ ፎር ኦል ብዝተረከበ በጀት ኤሌክትሮኒክስ ብሜሌ ዕደጋ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሐለ እዋን ካብ ዕለት 01/07/2018 ዓ/ም ክሳብ 03/07/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 04/07/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ናይ ቅድሚ ስዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ስዓት አብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዳ/ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ ዝኸፈት ኾይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይክልከልን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 /ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፣፣

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምዕራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡