Tigray study research policy institute
⚡ AI Quick Summary
* ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ን2018 በጀት ዓመት ዝኾኑ ቀወምቲ ንብረታት መፍለይ ስያሜ ምሃብ (ኮድ ምሃብ) ኣገልግሎት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
* ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይነት ሰርተፍኬት፣ ናይ VAT ምስክር ወረቐትን TIN ቁፅርን ዘለዎም መረጋገፂ ኮፒ ከቕርቡ ይግባእ።
* ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 27/06/2018 ክሳብ 2/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ይካኣል።
* እቲ ፕሮፎርማ ብዝተዓሸገ ፖስታ፣ ማህተምን ፊርማን ብምግባር ክሳብ ዕለት 03/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ኣታዊ ኮይኑ፣ በቲ ዝተገለፀ ዕለት ሰዓት 5:30 ተወዳደርቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።
* ተወዳደርቲ እቲ ኢንስቲትዩት ብዘቕርቦ ናሙና (ሳምፕል) መሰረት ብኣካል መፂኦም ብምርኣይ ዝወዳደሩ ምዃኖም ይገልፅ።

ን2ይ ጊዜ ምልክታ ፕሮፎርማ!

ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርመርን ፖሊሲ ትግራይ ዝጥቀመሎም ቀወምቲ ንብረት መፍለይ ንብረት ስያሜ ምሃብ (ኮድ ምሃብ) ንክትወዳደሩ ብምዕዳም ትካልና ስለ ዝደሊ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ንበጀት ዓመት 2018 ኣገልግሎት ክፍዕም ይደሊ፡፡

ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ትካልና በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ ረቛሒታት እተማልኡ በዚ ዘርፍ ዝተመዝገብኹም መቕረብቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ፤ሰርተፍኬት መቕረባይነትን ናይ VAI ምስክር ወረቐትን ቲን ናምበር መረዳእታ ብኮፒ ከቕርብ ኣለዎ፡፡

❖ እቲ ፕሮፍርማ ካብ ቤት ዕዮ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፊት ንፊት ዝርከብ ኣድማስ ዩኒቨርሲቲ ግቢ ውስጢ 3ይ ደብሪ ብኣካል ወይ ወከልቲ ብምልኣኽ ምውሳድ ትኽእሉ፤

❖ ፕረፎርማ ሰድ ክፍቲ ዝኾነሉ እዋን ካብ ዕለት 27/06/2018 ክሳብ 2/07/2018 ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታትን ሰዓትን ምውሳድ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ፤

❖ ፕሪፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 03/07/2018 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣታዊ ይከውን እቲ ፕሪፎርማ ዝክፈተሉ በቲ ተመሳሳሊ ዕለት ተወዳደርቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ሰዓት 5፡30 ኣብ ቤት ዕዮና ይኽፈት!

❖ እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ ስለ ዘገልግል ግቡኦም ኣብ ዘይፍዕሙ ተወዳደርቲ ብኣዋጅ፣ ደንብን መምርሒ ዕደጋ መሰረት ናብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክሲ ብምፅሓፍ ኣድላይ ስጉምቲ ዝውሰድ ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ፡፡

❖ ኣብቲ ፕረፎርማ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን የድሊ፣ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ንኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ጠቕላላ ኣገልግሎት፣ ስምሪት፣ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ 04 ኣታዊ ይግበር፤

❖ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደሩ ብቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ዝተኣገደ እንተኾይኑ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይክእልን፣

ልቢ ትካልና ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ብዘቅርቦ ሳምፕል (ናሙና) መሰረት ተግባራዊ ይከውን፡፡ እቲ ናሙና ናብ ትካልና ስለ ዘሎ ብኣካል ብምርኣይ ክትወዳደሩ ይውድም፡፡