የታሕታይ ኣድያቦ ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

  1. ሙሉእ መረዳእታ ማለት ዉን ናይ 2007 ዓም ግብሪ ከፊልኩም 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን
  2. ቲን ነምበር ዘለኩም
  3. ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ እተቅርቡ
  4. ካብ ቢሮ ማይን ሃፍቲ ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ብቅዓተ መረጋገፂ ወረቀት ዘቅርብን
  5. ዝተሓደሰ ብርኪ ትካል ከቅርብ ዝክእልን ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብኮንትራክተራት ዝተመልአ ዋና ሰነድን ዋና ቴክኒካል ገምጋም ዝሓዘ ሰነድን ከምኡዉን  ዋናን ቅዳሕን እዞም ሰነዳት ብፖስታ ተዓሺጉ ሽምን ማህተምን ፊርማን ተጌሩሉ ኣብ ናይ ባዕሉ ፖስታ ተዓሺጉ ሰለስቲኡ ድማ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሰታ ናይ ተጫረቲ ማህተም ሽም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም
  6. ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረበ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ እቲ ሰነድ ጨረታ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ ከይጋደሉለ ከቅርቡ ይግባእ ዝተጋደለ ብትክክል ዘይተመልአን ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓብ ዝተዛብዐን ሰነድ ጨረታ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  7. ኣብ እዋን ጨረታ አድለይቲ ዝኮኑ ሰነዳት ከቅርብ ዝክእል
  8. ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር  ንብረትን ክትወስደዱ ትክእሉ
  9. ተጫረቲ ኣብ ናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ መክበሪ ቢድቦንድ  ብጥረገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ 15,000 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም ኮይኑ ከምኡዉን ብናይ ፅገና ሴት ድማ ንሕድሕድ ስራሕቲ ፅገና ሴት ዳም 5,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም
  10. ተጫራታይ ሰዓሪ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ክኣስር ዝክእል ክከዉን ኣለዎ
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  12. እቲ ጨረታ ካብ 13 ሕዳር 2008ዓም ክሳብ 4 ታሕሳስ 2008 ዓም ኣብ ኣየር ይፀንሕ
  13. ንናይ ፅገና ሴት ዶም ስራሕቲ እቲ ጨረታ 4 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡15 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ኣብ  ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት
  14. ንናይ ሓባር ዒላ  እቲ ጨረታ 5 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡15 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡ 30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ኣብ  ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት
  15. ንናይ ማእከላይ ጎዳጉዲ  እቲ ጨረታ 6 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 4፡ 15 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ  ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት

ንዝበለፀ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0345500231/034850011 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል