ኮረም ሆስፒታል

1 በዘፈር ዓውደ ስራሕ ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ከፊልኩም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ዘለኩምን ክተቅርቡ ትክእሉን፤

2 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ጥሪ 2011ዓ/ም ወርሓዊ ዲክሌር መረዳእታ ዘለኩምን ክተቅርቡ ትክእሉን፤

3 ናይ ግብሪ ከፋላይነትን ዝተመዝገብኩምሉ ቲን ናምበር መረዳእታ ዘለኩምን ክተቅርቡ ትክእሉን፤

4 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 26/06/2011ዓ/ም ክሳብ 10/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ኮረም ሆስፒታል ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ዘይምለስ ብር 50.00 እናከፈልካ ብምውሳድ ይከኣል፤ መከበሪ ጨረታ ብር 4000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ኣብ ኮረም ሆስፒታል ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ይግበር፤

5 ሰነድ ጨረታ ዕለት 10/07/2011ዓ/ም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ኮረም ሆስፒታል ቢሮ ቁፅሪ 33 ይክፈት፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዝወሰድዎ ሰነድ ጨረታ ሕቶ እንተሃልይዎም ጨረታ ንክኽፈት ሰለስተ መዓልቲ ክተርፎ ከሎ ንዝቀረበ ሕቶ ተቀባልነት የብሉን፤

7 ኣብ በዝሒ 20 ሚኢታ ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

8 ሆስፒታልና ዘሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-510059/0914-751209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤