ትግራይ የውሃ ስራዎች ጥናት, ዲዛይንና ቁጥጥር ድርጅት

ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

4 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም እንትረኸቡ 1500.00 ብር ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ኣሲሮም ግልጋሎት ምሃብ ይጅምሩ።

5 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 23/04/2011 -07/05/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

6 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ  ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556  ምርካብ ይካአል እዩ::