የትግራይ ሴቶችና ጉዳይ ቢሮ

ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት 17/03/2011ዓ/ም - 08/04/2011ዓ/ም ኣብ ዘለው ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰነድ ጨረታ ብር 50.00 ( ሓምሳ ብር) ብምግዛእ ካብ ቢሮና ክወስዱ ትኽእሉ።

1 ተጫረቲ ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት መታወቂያ ናይ ግብሪ ከፋላይነት (TIN መረዳእታ) ዘቕርብ VAT ተመዝገባይ ዝኾነ ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ

2 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ንነብስወከፍ ጨረታ 5000.00 ብር ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ዋጋ ብቢሮ አብ ዝተዳለወ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ብምላእ ብፖስታ ብምዕሻግ ናይ ድርጅትኹም ክቢ ማሕተም ብምጥቃም አብቲ ዝተገለፀ ጊዜ አብ ቢሮ ኮምፕሌክስ ህንፃ 4ይ ብሎክ 4ይ ፎቅ ቁፅሪ 228 ናብ ዝርከብ ሳንዱቅ ጨረታ ክእትዉ ይኽእሉ

4 ተጫረቲ ንዝሳሮም ንብረታት አበ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክአስሩ ይኽእሉ

5 እቲ ጨረታ 08/04/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ 08/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ወይ ድማ ሙሉእ ደኩመንት አሺጎም እንተቀሪቦም ብኣካል ኣብዘይተረከቡ ዝክፈት ምካኑ ንገልፅ።

6 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት 10% መኽበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ

ሕለዉ እዩ ።

8 ቤት ዕዩ ጨረታ ሰዓራይ አብዝምረፀሉ እዋን ዝግዛእ ዓቅሓ ወይ ግልጋሎት ዓቀን ወይ ዋጋ ከም ኣድላይነቱ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነፀላ ኣቀሓ 20% ናይ ምቅናስ ወይ ምውሳክ መሰል አለዎ።

9 ኣብቲ ትመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክከወን አለዎ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ቑፅሪ ስልኪ 0344-410504 ምጥቃም ይከኣል።