የሽረ እንዳስላሰ ከተማ ኮንስትራክሽን መንግድ ትራንስፖርት ጽህፈት ቤት

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ወረቀት ምስክርን ፍቃድ ስራሕ ንግዲ

2 ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናታራይነት ምዝገባ ወረቀት ምስክር ዘለዎ

3 መለለሪ ቁፅሪ ከፋሊነት ግብሪ ከፋላይ ምዝግባ ወረቀት ምስክር

4 ምዝግባ ወረቀት ምስክር ተወሳኬ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳታ ዘቅርብ

5 ንመከበሪ ጨረታ 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ መልክዕ ዝቀርብ ኮይኑ ብቤሔራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዘረጋገፅዎ ቼክ (ሲፒኦ) ከቅርቡ አለዎም

6 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ተከታተልቲ 110 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

6 ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዕዝያን ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳርን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 02/02/2011 ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳርን ክፍሊ ቁፅሪ 3 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም

7 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ናይ ጨረታ መክበሪ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተውሃቡ ብብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ናይ ስራሕ ፍቃድን ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናታራይነት ምዝገባ ወረቀት ፣ናይ ግብሪ ከፋላይነት፣መለለሪ ቁፅሪ ፣ ምስክር ተወሳኬ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳታ ፣መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ ኣለኩም። ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካልእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 3 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 22/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅ.ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ክተእትው ኣለኩም ።

8 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ገፅ ፈሪሞምን ማሕተም ብምዕራፍ እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ከይጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም

9 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ 22/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዕዝያን ዝርከብ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳርን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ይክፈት

9 እቲ ቤት ዕዩ ከይዲ ስራሕ ዝሓሸ ኣመራፂእንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0344-442239/0344-442280 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል