1 ሕጋዊ መቅረብቲ ነጋዶ ዝተመዝገብኩም ናይ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ኣብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይድማ ግብሪ ዝከፈልኩም
2 ናይ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ቲን ካርድ ዘለኩም ሓዱሽ ናይ መቅረባይነት ካርድ ዘለኩም
3 ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፈኬት ዘለኩም ናይ ወርሓዊ ድክሬሽን ዝሐለፈ ወርሒ ታሕሳስ መረዳእታ እተቅርቡ እትክእሉ ንሐደ ደኩሜንት ዘይመለሰ 30.00 ብር ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ኣጉላዕ ማይ አገልግሎት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 2 ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 21/01/2011 ዓ/ም እስካብ 06/02/2011 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒን ንበይኑ ብዝተኣሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታዉ ይከኣል
4 ጨረታ ሳጥን ዝእሸገሉ ዕለት በቲ ናይ መወዳእታ ዕለት 6/10/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተኣሺጉ በቲ ዕለት 4:00 ሰዓት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይከፈት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ፖስታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ዝከዉን 5000 ሽሕ ብር ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም
6 ተጫረቲ ናይ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማ በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኮይኑን ተቐባልነት ኣይህልዎምን
7 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫረቲ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ እንተዘኣሲሩ ዘትሓዞ ናይ መከበሮ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን
8 እቲ ዝጫረትዎ ንብረት ቢሮና በዘውፅኦ ሳምፕል መሰረት ብኣካል ብምርኣይ ክጫረት ዝኽእል
9 እቲ ትካል ሰዓራይ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ዝክእል
10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0341140004 / 0914783560 / 0914348246