የላዕላይ አድያቦ ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 ናይ 2009 ዓም ግብሪ ዝከፈለ

2 ናይ 2010 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ የካቲት 2010 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን ከምእዉን ናይ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይ ከቅርብ ዝክእል

5 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ዝተኣገደ ዝኮነ ይኩን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀድን

6 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕብ ስጎምቲ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

7 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ኣዲያቦ ክትወስዱ ትክእሉ

8 እቲ ሰነድ ሽም: ኣድራሻ : ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

9 እዚ ሰነድ እንትምልኣ ብቲ ዝቀረበ ዝርዝር ረቆሒታት መሰረት ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ ዝርዝር ረቆሒታት ምእታዉ ኣይፍቀድን

10 ግልፂ ምስ ኣይኮነን አሉ ምስ ዝኣምን ድማ ብኣካል ቀሪቡ ክሐትት ይግብእ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 45 መዓልቲ ይከዉን

12 መከበሪ ጨረታ ንነብስከወፍ 4000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሉ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ይከዉን

13 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስረ ከአሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕል መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

14 ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ድማ ቀልጢፉ ንብረት ኣታዊ ዝገብርን ቐልጢፉ ድማ ከወራርድ ዝክእልን

15 ብተወሳኪ እቲ ዝሰዓረ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ተጠቀምቲ ዘቅርብ

16 እቲ ሰነድ እንትምልእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እንተሃልዎ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ

17 ጨረታ 8 ሰነ 2010 ዓም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ይክፈት

18 ብተወሳኪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ እቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ

19 እተ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ኮን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

20 ጨረታ ምስተከፈት ከም ኣድላይነቱ ነቲ ዝግዛእ ኣቅሓ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344320094