የራማ ከተማ መጠጥ ውሃና ፍሳሽ አገልግሎት ጽ/ቤት

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፈላይ መለለይ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ናምበር ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

3 ተወሳኪ እሴታ ታክስ ተመዝገብቲ ከይኖም ቫት ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓም ሒሰብ ዘወራረድሉ ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘርፊ መቅረባይት ተመዝገብቲ ምኮኖም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእልÂ

5 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብቲ ቤት ፅሕፈት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 2 ካብ 5 ሕዳር2010 ክሳብ 20 ሕዳር 2010 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይክእሉ

6 ዝቀርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ነንበይኑ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኮይኑ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቁፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምካኑ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሽም ክሕብር ዘለዎ

7 መክበሪ ጨረታ Complexity electrical Sampers pump 5000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ቀረብን ማይን ፈሳሲን ከተማ ራማ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቤት ዕዩ ሳንዱቅ ጨረታ ወይድማ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል

8 እቲ ጨረታ ሰዓራይ ዘኮነ ተወዳዳራይ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ወሽጢ 10 ተከታታልቲÂ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት በቲ ዝተሐተቶ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

9 እቲ ጨረታ 20 ሕዳር 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 10:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀረብን ማይን ፈሳሲን ከተማ ራማ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንበረትን ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦምÂ ጨረታ ምክፋቱ ኣይተኣጎጎልን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ቫት ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ ተዘይኮይኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርድኡ ተገይሩ ይዉሰድ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ይከዉን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቀን ዋጋ ከምኣድላይነቱ ካብ ነብሰወከፍ ኣቅሐ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክቅንስ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ

14 ሰዓራይ ዘቅርብዎ ንብረት ብበዓል ሞያ ወይድማ ብዝምልከቶ ኣካል ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

15 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345550280 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

 Â