ምልክታ ጨረታ
ኣግኣዚ ማእኸል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ኣካላት ፍትሒ ዉቕሮ ፅሕፈት መሳርሒ : ፅሬት ኣቁሑት : ህንፃ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንሕጋዉያን ነጋዶ በዚ ዝስዕብ ምልክታ እዚ ይዕድም::
ኣብዚ ግልፂ ጨረታ ዝዋዳደሩ መቕረብቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1 ምስቲ ዘቕርብዎ ኣቑሑት ዝተሐደሰ ናይ 2007 በጀት ዓመት ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርቡ ዝኽእሉ::
2 ንፅሕፈት መሳርሒ ጥራሕ አብ ተወሳኺ ታክሲ / VAT/ ዝተመዝገብኩም ምኮንኩም ናይ ወርሒ ሕዳር 2007 ዓ/ም ዲክሊሬሽን ክተቕረቡ እትኽእሉ ናይ ፅሬት አቑሑት ን ህንፃ መሳርሒ /VAT/ ተመዝገብቲ ዘይኮኑ ክወዳደሩ ይኽአሉ እዮም::
3 ግብሪ መንግስቲ ከፋሊ ምኮንኩም ዘረጋግፅ ንግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለይ ቁፅሪ (TIN) መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእሉ
4 ኣብ ኣብያተ ዕዩ መንግሰቲ ንዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ዝርዝር መቕረባይነት መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእሉ::
5 ጨረታ ቅደሚ ምኽፋቱ ንጨረታ መኽበሪ ንፅሕፈት መሳረሒ ብር 4,000 ንፅሬት ኣቁሑን ህንፃ መሳርሒን ብር 2 ,000 .00 ብሲፒኦ ኣታዊ ይገብሩ
6 ሰዓሪ ምኮኖም ካብ ዝግለፀሎም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ዋጋ 10 % መኽበሪ ዉዕሊ ብስፒኦ ኣትሒዞም ዉዕሊ ብምእሳር ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ትካልና ከቕርቡ ዝኽእሉ::
7 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 10/ 04/ 2007 ዓም ጀሚሩ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዝይምለስ 30 .00 ብር / ሳላሳ ብር/ ብምኽፋል ካብ ኣግአዚ ማእኸል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ አካላት ፍትሒ ከ/ስራሕ ዕዳ/ ፋይ /ንብ /ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝወዳደርሉ ዋጋ መሊኦም አብ ዝመልእዎ ሰነደ ጨረታን ኣብቲ ሰነደ ጨረታ ዝተዓሸገ ሽሞምን ኣድራሾምን ፅሒፎም ፈርማን ማህተምን ገይሮም ኦርጅናል ኮፒን ነፂሮም ነኒበይኖም ብዝተፈላለየ ፖስታ ዓሺጎም ከሳብ ዕለት 24 /04/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኣታዊ ክግብሩ አለዎም::
8 ጨረታ ዕለት 24 /04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 24 /04 / 2007 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ይክፈት::
9 ጨረታ እንትክፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብዘለወሉ ዝክፈት ኮይኑ ግና ባዕሎም ወይ ሕ ጋዊ ወኪሎም አብ እዋን ምክፋት ጨረታ ብ ዝይምህላዎም ምኽፋት ጨረታ ኣይጋተትን::
10 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ በክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344431053 ደዊልካ ምሕታት ይከአል ::