ተጨረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቃሕታት
- Â ናይ 2008/ 2009 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዓዉዲ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ፣ Â ቲን ነምበርን ፣መቅረባይነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ናይ ወርሒ መስከረም 2009 ዓምÂ ሒሳብ ዘፍለጥሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ቅዳሕ ከቀርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም
- ናይ ፅገና አገልግሎት ንመቅረብቲ ዝምልከት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን መረዳእታኩም ብምቅራብ ክትወዳደሩÂ ትክእሉ
- ብመሰረት እዚ ዝተዳወ Â ስፐስፊኬሽን ካብ ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 50 ቅርሺÂ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ
- Â ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑ 6000 ቅርሺ ንፅገና 3000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዙ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም
- ጨረታ Â ዝዕፀወሉ ዕለት 5 ታሕሳስ 2009 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ በቲ ዕለት Â ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስንÂ ምምሕዳር ንብረት ይክፈት እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እንተዳኣ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይክፈት
- ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን 60 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ኣብቲ ዘቅርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ
- ናይ ዋጋ መግለፂ እንትመልኡ ኣብ ዝረከብኩምዎ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ክትመልኡ ኣለኩም
- በዚ መሰረት ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ንዝኮንኩም ተወዳደርቲ እተመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ዝሓወሰ ምካኑ ክትፈልጡ ኣለኩም
- መፅዓንን መረጋፍን ድማ ካብ መቅረባይ ምካኑ ክፍለጥ አለዎ
- መለዋወጢ አቁሑ መኪና ፅሬት ዝረጋገፀሉን ርክክብ ዝፍፀመሉ ቦታን ኣብ ከተማ መቀለ ዝርከብ ዉዕሊ ዝአሰርናሉ አዳራሽ ይከዉን ከምኡዉን ክፍሊት ዝፍፀመሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉሎ መከዳ ይከዉን
- Â ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብ.ቁ ስልኪ 0344340128 ወይድማ 0914124252 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል