ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስር ፀገማት ንምፍታሕን ነቲ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ ማእኸል ገይራ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ትካል እያ፡፡በዚ መሰረት ዋሕስ ናይ ገዛ ቑጠባን ህንፀትን ኣክሲዮን ማሕበር፤ ኣብ ዓዲሓ ዓይደር ክ/ከተማ መቐለ B+G+10 ወዲእና ንኣማዊል ንምርካብ ናይ በሪ ኣለሚንዮም (Aluminum works) ሰራሕቲ ክነስርሕ ሰለዝደለና ፍቓድ ዘለኩም ተጫረቲ ነዞም ዝስዕቡ ረቚሓታት ተማልኡ ተጫረቲ ክትሳተፉ ንዕድም፡፡

1. ናይ 2018ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ናይ ግብሪ ኸፋሊ መፍለይ ቲን፣ናይ ምዝገባምስክር ወረቐት ፣ናይ ኮንስትራክሽን ምዝገባ ፍቓድ፣ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ከቕርብ ዝኽእል፡፡

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ (CPO፣Bank gurrantie /50,000/ሓምሳ ሽሕ/ ከቕርብ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ዘለኩም ኣብ ተመሳሳሊ ሰራሕቲ ክልተ ፕሮጀክትን ልዕሊኡን ዝሰርሑ

4. እቲ ሰራሕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ሰሪሑ ክውድእ ዝኽእል፡፡

5. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ ይኸውን

6. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 300(ሰለሰተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ብምቕራብ ካብ ዕለት 19/06/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ምውሳድ ይካኣል፡፡

7. ተጫረቲ ሐደ ኦርጂናልን ሐደ ኮፒን ፋይናንሻልን ሲፒኦን ዶክመንት ኣብዝተፈላለየ ፖሰታ ብሽምዒብምእሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፓሰታ ኣሺጎም ብምቕራብ ሙሉእ ኣደራሻ ናይ ድርጅቶም ማህተም ብንፁር ብምግላፅ እቶም ኣብ ቑፅሪ 2 ዝተዘርዘሩ ምስክር ወረቐት ኦርጂናል ዶክመንት ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ሒዞም ክመፁ ኣለዎም፡፡

8. ተጫረቲ ዝተማለእ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 19/06/2018ክሳብ ሰዓት ዕለት 30/06/2018ካብ ሰዓት 2:30 ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ምእታው ይኽእሉ፡፡

9. እቲ ጨራታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ዕለት 30/06/2018 ቅድሚ ቐትሪ 3:30 ተዓሺጉ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ይኸፈት፡፡

10. ተጫረቲተወሳኺ ሓበሬታ እንተደልዮም ብቑፅሪ ሰልኪ +251938000111, +251938000222 ምድዋል ይካኣል።

11. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ እታ ጨራታ ብውሱን ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።