በቑፅሪ 191/ዐፕ18-1/18
ዕለት 22/05/2018 ዓ/ም
ፕሮፎርማ ምልክታ
ሓፈሻዊ መቐለ ሆስፒታል ናይ ኤሌክትሪ ኣቕሑትን ንድሪብ ግልጋሎት ዝውዕል ቲትሮን ጨርቂ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቛሒ፦
1. ብዘፈር ዓውደ ስራሕ ልዕል ኢሉ ብዝተጠቐሰ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ዲክለረሽን፣ ቲን ናምበርን ኣብ ሓዱሽ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖምን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ/ላ
2. እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 22/05/2018 ዓ/ም ክሳብ 26/5/2018 ተበቲኑ ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ወዲያው ይኽፈት
3. ተጫረቲ ዘሸንፍዎም ንብረት ሰዓርቲ ምምዃኖም ደብዳበ ካብ ዝበፅሖም ዕለት ጀሚሩ ናብ ትካልና ኣብ ሓፂር ግዘ ብናይ ባዕሎም/ለን ትራንስፖርት ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ/ላ
4. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ተጫረቲን ሆስፒታል መቐለን ከም ውዕሊ የገልግል
6. ተጫረቲ ኣብ እትመልእዎ ሰነድን ፖስታን ናይ ትካልኩም/ለን ማሕተምን ፌርማን ክዓርፎ ኣለዎ
7. ሆስፒታልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ሙሉእ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
8. ዝቐርብ ደረሰኝ ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ክቕርብ/ርባ ዝኽእሉ/ላ