ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ

ናይ ጨረታ ማስታወቅያ

ድርጅትና ከሳቴ ብርሃን መ/ኮሌጅ ቅድም ክብል ንዝጀመሮ G+10 ንሓደ ወለል ኣሌሚንየም ምስ ኣክሰሰሪኡን መስተዋትን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። ስለዝኾነ ንዚ ኣብ ታሕቲ ዝቀረበ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ኣፍቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም

- በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2018ዓ.ም ዘሐደሰን

- ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ

- ብኣቅራባይነት ዝተመዝገበ

- ናይ እቲ ዘእተዎ ጠቅላላ ዋጋ ናይ ጨረታ መኽበሪ 2% ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል

- ኣሸናፊነት ምስ ተገለፀለ ውዕሊ ክኣስር ዝኸእል

- ናይ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 18/05/18ዓ.ም ካብ ትካልና ገንዘብ ቤት ዘይምለስ ብር 500.00(ሓሙሽተ ሚኢቲ) ብምኸፋል ምውሳድ ይካኣል ተወዳደርቲ እቲ ዝተመለአ ናይ ጨረታ ሰነድን መትሐዚ ሲፒኦን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ሰዓት 3:30 ዕለት 25/05/18ዓ.ም ከእትዉ ኣለዎም።

- እቲ ጨረታ ማስታወቅያ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ እስካብ 25/05/18ዓ.ም ሰዓት 04:00 ዝፀንሕ ኮይኑ ኣፍቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 እቲ ጨረታ ተጫረትቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት።

መተሓሳሰቢ

- ትካልና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ:- 0914729078