ደደቢት ብድርና ቁጠባ ተቋም

ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቕሓ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ TIN ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኸእሉ፤

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

3. ዝርዝር ዝሓዘ ዶኩሜንት ካብ ዕለት 09/05/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200 ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኸፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኸእሉ፣

4. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2↑ ገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕለ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ክፈልጥ ይግባእ።

6. ናይ ጨረታ ዶኩሜንት ብፖስታ /ስምዒ/ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 09/05/2018 ዓ.ም እስካብ ዕለት 20/05/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

7. እቲ ጨረታ ዕለት 20/05/2 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ዝኸፈት ኾይኑ ኣብቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።

8. ተጫረቲ እዋን ጨረታ ብስርዓት ክከታተሉን ብስርዓት ክሓቱን ዝፍቀድ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ናይቲ ጨረታ ከይዲ ዝህውኽ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቁጠቡ ዘለዎም ኮይኖም ነቲ ጨረታ ዝህውኽ ተግባር ምስ ዝፍፅሙ ካብቲ ጨረታ ክስረዙን ካብ ውድድር ወፃኢ ክኾኑ ከምዝክእሉ ክርድኡ ይግባእ።

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ

ውሕስና /unconditional Perfomance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

10. ስዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር

ይግባእ።

11. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9' ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ታታሊ መዓልትታት

ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ስዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ በሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

12. ኣብቲ ጨረታ ቅሬታ ዘለዎም ተወዳደርቲ ሰዓሪ ጨረታ ዕላዊ ኾይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ተከታተልቲ መዓልትታት ናብ ትካል ቅሬትኦም ከቅርቡ ዝኽእሉ ኮይኖም ድሕሪ እቲ ዝተገለፀ ዕለት ዝመፅ ቅሬታ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኸፈልጡ ይግባእ።

13. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

14. ተወሳኪ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 309 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ