ቁፅሪ:ዕ/ፋ/ን/ም/ርን 5 /18
ዕለት:28/04/2018ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ
ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ናይ መኪና መለዋወጥ መሳረሕ አቁሕት ብፕሮፎርማ አጫሪቱ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ናይቲ ዘርፊ ፍቃድ ዘለኩም መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም።
መምርሒ ተጫረቲ/ተወዳደርቲ
➢ ተወዳደርቲ 2017 ዓ/ም ወይ 2018 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቲን/TIN Noን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
➢ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኹም እትመልእዎ ዋጋ ምስ ሻቱ ክኸውን ኣለዎ
➢ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ካብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ዕደጋ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ 9 ምውሳድ ይከኣል
➢ በቲ ዋጋ መቅረቢ ብዝተአሸገ ፖስታ መሊኡ ካብ ዕለት 28/04/2018 ዓ/ም እስካብ 1/05/2018 ዓ/ም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ፕሮፎርማ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።
➢ እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 1/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ድማ ይኽፈት
➢ እዚ ፕሮፎርማ እዝይ ከምውዕሊ ኮይኑ የገልግልን የገድድን እዩ።
➢ እቲ ኣቅሓ/ግልጋሎት /በቲ ዝተጠቀሰ ስፐስፊክሽን መሰረት ክኸውን ይግባእ
➢ እቲ ኮለጅ ዘቐመጦም ረቋሒታት ንዘይማልኡ መቅረብቲ ትካላት ካብቲ ወድድር ወፃኢ ንገብር ምኳንና ኣጥቢቐና ነተሓሳስብ
➢ ኣብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂ ዘይኮነን ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን
➢ ካብቲ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ባዓልካ ንብረት ቀይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም ኣይፍቀድን ➢ ኮለጅና ነቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ኣድራሻና፦ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ጥቓ እንዳጋብር ንዝበለፀ ሓበሬታ፦ 03-44-40-87-55 ይደውሉ።