ሓድነት ክፍለ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ጥቅመቲ 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ ዘቅርብ

2 ከምእዉን ተመዝጋቢ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መላት እዉን ቲን ናምበር ዝኮነን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእልን

3 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕድጋ ንብረትን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ቀዳማይ ደብሪ ዕደጋ ካብ 1/4/2018 ዓም ክስብ 17/4/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ተከታታሊ መዓልቲ ብምምፃእ ዘምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ክትወስዱ ትክእሉ ኢኩም

4 ሳንዱቅ ጨረታ 17/4/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሕጋዊ ኮሚቴ ጨረታ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት

5 ብተወሳኪ ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክርከቡ ይክእሉ እዩም

6 ተጫረቲ ብዘይምህላዎም ግና ጨረታ ምክፋት ኣይተአጎጎልን

7 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 10000 ቅርሺ ኮይኑ ብስፒኦ ወይ ብጥር ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ

8 ኣብ ዝተመለአ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ ፊርማ ዘይብሉ ስርዝ ድልዝ ነፀላ ዋጋ ዉድቂ ይከዉን

9 ጨረታ ሰዓር ዘቅረቦም መሳርሒ ፅሕፈት ብባዕል ሞያ ምስተረጋገፀ ማለት ተቀባልነት ምስረከበ ቅቡል ይከዉን

10 ተጫርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕድጋ ንብረትን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ምድረገነት ኣዋሽ ዓዳሓዉሲ ዝወስድ መስመር ከረክብ አለዎም

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0348419012 0914721573 0914161119