- ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይ 2017ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቲን ናምበር ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ 2018 ዓም ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ሌብሬ ናይታ መኪና ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ዘመኑ ከላዉዶ ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ከቅርብ ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዋጋ ሐዊሶም ክመልእ አለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ እንተዘይ ሐዊሶም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊስኩም ከምዝመለአኩም ተገይሩ ይሕሰብ
- ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
- ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 26/3/2018 ዓም ክሳብ 17/4/2018 ዓም ብተካታታሊ መዓልቲታት ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቀበሌ 03 ኣብ ዉሽጢ ኣዳራሽ ሃፈቶም ቀፅሪ 19 ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ 400 እናድካፈልኩም ክሳብ 17/4/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ክትወስዱ ትክእሉ
- እቲ ጨረታ ዕለት 17/4/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ጨረታ ሰነድ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት አማላኡ እንተተረኪቡ ብዘየለዉሉ እዉን እንተኮነ ንምክፋት ዝዓግት ነገር የለን
- ናይ ጨረታ መከበሪ 30000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
- ሰርቪስ ዝምልክት ይኩን ፀገም ኣብ ከይዲ ንዘጋጥም ምብልሻዉ በዓል ንብረት ዝፅግን እንትኮን ካብዚ ወፃኢ ብቤት ፅሕፈት ንዝበፅሕ ሐደጋ ይኩን ግጭት በቲ ተጠቃማይ ቤት ፅሕፈት ይሽፈን ነዳዲ ዝምልከት እዉን ተጠቃማይ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሽፍኖ ይከዉን
- ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀሎም በባዕል ሞያ ወይ ሽፊር ተራእያ ምስተረጋገፀት ኣብ ዝሐፀር ግዜ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
- ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ክታም ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ
- ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ