የትግራይ ትምህርቲ ቢሮ

ስለዚ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
  2. መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን
  3. ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  4. ሰነደ ጨረታ ንሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 12 ምዉሳድ ይከኣል
  5. ጨረታ ብድምፂ ወያነ ትግራይ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ ነሓሰ 13 2008 ዓ ም ክሳብ 27 ነሓሰ 2008 ዓም
  6. እቲ ጨረታ 27 ነሓሰ 2008 ዓ ም ሰዓት 3፡ 30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4 ፡00 ይክፈት
  7. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ክሳብ ዕለት 27 ነሓሰ 2008 ዓም ሰዓት 3፡30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 ኣብ ዝተዳለወÂ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይከኣል
  8. መክበሪ ጨረታ ንማይ መጠራቀሚ Â 5,000 ቅርሺ Â ንፅገና ኤለክትሮኒክስÂ 2000 ቅርሺÂ ንሕትመት 4000 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  9. ተጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ
  10. ዝኮነ ተጫራታይ ብዝዓባ እቲ ጨረታ ሰነድን ካልእ መብራህርሂ ዘድልዮ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል
  11. ጨረታ ሰዓራይ ንማይ መጠራቀሚ ኣታዊ ዝገብረሉ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ኣብ አብያተ ትምህርቲ ንሕትመት ግና ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ይከዉን
  12. ሰዓራይ ጨረታ ንማይ መጠራቀሚ ጠቅላላ ዋጋን ከምዉድማ መጋዕዝያን ድምር ዝተሓተ ዋጋ ዘቅረበ ይከዉን
  13. እቲ ቢሮ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ቁፅርታት ስልኪ 0344403477 ወይድማ 0344408299 ብምድዋል ይኩን ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል