ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ 2018 ዓ/ም ንናይ መኪና ስፔር ፓርት መማላኽዒን ጎማን ባትርን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ስለዚ ክትጫረቱ _ እትደልዩ ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም ፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ መለለይ ካርድን ዘለኩም፡ ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትኽእሉ ናብ ትካልና (ቤትፅሕፈትና) ብምምፃእ ዝርዝር ናይቲ ኣቑሑት ዝሓዘ ሰነድ ብር 300.00/ ሰለስተ ሚኢቲ/ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ብኣካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 10/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/02/2018ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ(ክትዕድጉ) ከም እትኽእሉ እናገለፅና ተጨራታይ እዞም ቀፂሎም ዘለው ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ከማልእ ይግባእ

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዘመን ግብሪ ዝኸፈለሉ (ዘሃደሶ) ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

2. ዝተመዝገበሉ መለለይ ካርዲ / ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

3. ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ምስክር ወረቐት ዘለዎን ዝከፍልን ፎቶ ኮፒ ምቅራብ

4. ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት ኮፒ ናይ 2018 ዝተሓደሰ ከቕርብ ኣለዎ

5. ናይቲ ጨረታ መክበሪ ናይ መኪና ስፔር ፓርት 20,000 ብር ( ዒስራ ሽሕ ብር ) ናይ መኪና መማላኸዒ 3000(ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ናይ ጎማን ባትርን 3000ቅርሺ(ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ክትሕዝ ዝኽእል

6 ቫት ሓዊሱ ክመልእ አለዎ

7. ግዚኡ ዝሓለወ ዴክላረሽን ዝኸፈለሉ መረዳእታ ፅሕፍ ኣብ ዝወዳደረሉ ፖስታ ዓሽጉ ከቕርብ ኣለዎ፡፡

8. ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ብምውሳድ ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን

ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳዕን የእቱ፡፡

9. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ክሳብ ዕለት 17/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡20 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፍቲ

ኮይኑ ይፀንሕ ::

10. እቲ ዝተዳለወ ሳዕን ዕለት17/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡21 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕሸግ፡፡

11. ጨረታ ዝኸፈተሉ ቦታ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ኮይኑ በቲ ዕለት ንሱ 17/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ እውን እቲ ጨረታ ፖስታ ይኸፈት ፡፡

12. ተጨራታይ እቲ ጨረታ ኣሸንፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ውዕል ብምእሳር ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተከታተልቲ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት የቕርብ፡፡

13. ብኣሸናፍነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ንዘይኣቕረበ ኣቑሑት በቲ ናይ ጨረታ ደንቢመምርሒ ዕደጋ ቁፅሪ 3/2009 ዝእዝዞ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1∞∞ ብር እናተቐፀዐ እቲ ንብረት ይቕርብ ፡፡

14. ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል ኣቐሚጡ ክወዳደር ኣለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ውድቂ ይኸውን፡፡

15. ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃእን ኣብቲ ቅጥዒ መብርሂ ኣብ ዝብል ምምላእን ኣይፍቀድን

16. ኣብ ዘቕርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ሽሙ ፣ ፌርሙኡን ኣድራሽኡን ማህተም ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ ኣፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ

ኣሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ፡፡

17. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

ኣድራሻ 0914241851