የደቡብ ግንባር ወታደራዊ ዕዝ ማእከል

ምልክታ ጨረታ

ዘ/ፋ/ግ/ደ/ው/ጨ/ቁ 01/2017 ዓ/ም

ክፍሊ ዕደጋ ግምባር ደቡብ ን2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ንሰራዊት ቀለብ ዝውዕል ባኒ ንምስንካት በዚ ዘርፊ ዝተዋፈርኩም ትካላት /ፎርኖቤታት ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም ።

ተጫረትቲ ከማልኡዎም ዝግበኦም

➢ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ሻት ተመዝጋቢ ዝኮነ

➢ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ

➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰርትፍኬት(TIN) ናይ መቕረባይ ፍቃድ ዘለኩም ንክትሳተፉ ይዕድም ። ብምዃኑ ተረትቲ ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ ሰነድ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብ ክፍሊ ዕደጋ ግምባር ደቡብ እዚ ፃውዒት ጨረታ ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 27/12/ 2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 03/13/2017 ዓ/ም ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200.00 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይካኣል ። ብምቕፃል በቲ ኣብ ቢሮ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ከም ትኽእሉ ይገልፅ ። እዚ ጨረታ ዕለት 03/13/20/2ዓ/ም ረፋድ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተማሳሳሊ ዕለት ረፋድ ሰዓት 4፡30 ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረክቡሉ ይኸፈት ። ቤት ዕዮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብክፋል ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻ ፦ መቐለ ድያስፖራ ካብ ኣዋሽ ካምፕ ንምብራቅ ኣንፈት 100 ሜትሮ እትው ኢልካ ዝርከብ ቢሮ ግምባር ደቡብ ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ

> 0919755212

> 0972133730

ምስ ሰላምታ