መቐለ ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ

ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/1107/17 ዕለት 12/12/2017 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 01 /2018 በጀት ዓመት

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንኮሌጅና ተሽከርከርቲ ዕገና ዝውዕሉ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ 

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም፡፡ 

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN No / ዘለኩም፡፡ 

3/ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩም፡ 

4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል ። 

5/ ዝቐርቡ ናይ ፕሮፎርማ ጨረታ መረዳእታታት ብደምቢ ዝንበቡን ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ክኾኑ ኣለዎም። 

6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ኮሌጅና ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ካብ ዕለት 12/12/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 14/12/2017 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ትኽእሉ 

7/ እዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 14/12/2107 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ዕለት 15/12/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰልኩም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን። 

8/ ስዓራይ ምስተፈልጠ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብናይ ባዕልኹም መጉዓዝያ ናብ ኮሌጅና ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም ። 

9/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡ 

10/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ። 

11/ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተቐመጠ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ኣይፍቀድን። 

12/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92_ ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።