ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና GGP project ብዝተረኸበ ሓገዝ ወለዶም ንዝስኣኑን ዕጕማትን ተምሃሮ ንምግብነት ዝዉዕል ካብ ፋብሪካታት ሕሩጭ ፊኖ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን ዝኾንኩም መቐረብቲ (ፋብሪካታት) ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 22/11/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 29/11/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 29/11/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::