ደደቢት ብድርና ቁጠባ ተቋም

ዕለት/Date 10/07/2025

ቁፅሪ/Ref.No 624/3332/10/202

ንኻልአይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ዝተፈላለየ ፕሪንተርን ፎቶኮፕን ቀለም ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ትካላት በዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቑሓታት መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቓድ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪT፡ ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም ከምኡ እውን ናይ ወርሒ መጋቢት ዲክላረሽን ከቕርቡ ዝኸእሉ፤

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ፤

3. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 04/11/17 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ብር 200/ ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4. ናይ ጨረታ መኽበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2 ዝተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፤

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፈልጥ ይግባእ፤

6. ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረለ ካብ ዕለት 04/11/2017 ዓ.ም እስካብ ዕለት 15/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤

7. ጨረታ ዕለት 15/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ እስካብ ዝተረጋገፀ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝኸፈት ይኸውን፤

8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፤

9. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 5 መዓልቲ ኣብ ዘለዉ 5 ተኸታተልቲ መዓልትታ ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕድርን ቀሪቡ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፤

10. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት

ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕሊ ዘይኣሰረ ሰዓሪ ጨረታ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፍለጥ ይግባእ፤

11. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፤

12. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተተደልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይካኣል እዩ፡፡