መቐለ ማረምያ ቤት ማእከል

ቁፅሪ 727/01/2017 ዓ.ም

ዕለት 17/10/2017ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

መቐለ ቤት ህንፀት አብ ውሽጡ ንዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ን2018 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ኽምግብ ዝኽእል ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክህብ ይደሊ::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ አብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ብናይ ሆቴል ወይ ቤት ቁርሲ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለዪ ቲን መፍለዪ ዝዕሪ ዘለዎን ናይ መቕረባይነት ዝተሓደሰ ዝተመዝገብሉ ኮፒን ከቕርብ ዝኸእል

2/ ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ኮይኖም ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ተመሊኡ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስጣ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ስ ዕፋን ምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይኽእሉ

3/ ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ 10000 ብር ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም

4/ ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራ ኮይኑ ካብ ዝተረጋገፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3ተ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ መፂኡ ውዕል ካስር አለዎ በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዉዕል እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ _ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ተገይሩ እቲ ቢሮ ከሊእ መማረፂ ክወስድ እዩ ተጫራታይ ዝመልኦ ዋጋን ግራምን አብ ዝኮነ እዋን ክልወጥ አይክእልን

5/ ተወዳደርቲ ናይ አመጋግባ እስታንዳርድ ዝምልከት ንሓደ ተሃናፃይ ንመዓልቲ ቁርስን ምሳሕን ድራርን ቫት ሓዊሱ ዝከፈሎ ብር 53.45ብር እንትኮን እስታንዳርድ ኣብ ሰንጠረጅ ዝተቐመጠ ናይ ሓደ ተሃናፂ ግራምን ፐርሰንትን ኮይኑ እቲ ውድድር _ ኣብ ባኒ ዝምልከት ብስርናይ ዝብል ሙሉእ ብሙሉእ ብፊኖ ወይ ድማ ፊኖ ብ % ምቕማጥ ከምኡ ድማ እንጀራ ዝምልከት ብስርናይን ከባቢ ዘምሮቶን እኽሊ ዝብል ሙሉእ ብሙሉእ ዓይነት ጣፍ ብምግላፅ ብጣፍ ወይ ድማ ብፐርሰንት ጣፍ ብምቕማጥ ይኸዉን ካብዚኦም ወፃኢ ኣብ ካልኦት ዘለዉ እስታንዳርድ ግን ካብቲ ዝተቐመጠ መጠን ግራም ምዉሳኽ ኣይፍቀድን ዝግበር ወሰክ ግራማት ከም መወዳደሪ ዘይሕሰብ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ በዝሒ ተሃነፅቲ ዝምልከት ከከምኩነታቱ ክውስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

6/ ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 17/10/2017ዓ/ምዓ/ም ክሳብ 26/10/2017ዓ/ም ሰዓት 3.00 ዘይምለስ 100 ብር እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 30/10/2017ዓ/ም ሳዓት 3.30 ተዓፅዩ ሳዓት 4.00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኽፈት።

7/ ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ተቕባልነት የብሉን _ ብተወሳኺ ንዝወፀ እስፐስፍኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረኸበ ተወዳዳሪ ካብ ዉድድር ዉድቂ ከምዝግበር ክፍለጥ ኣለዎ

8/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቕላላ ናይ ወርሒ ዝኸፈሎ ብር 10% መኽበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ንዘቕርቦ ግልጋሎት ምግቢ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10000 ብር እንተኾይኑ 2% ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይኸፍል

9/ ሰዓሪ ትካል ኣብ ሚዛን ዝጎደለንምግቢ ዘይመገበሉ ዝተረፈ መዓልትን እንተጋጢሙ ተፀብፂቡ ካብ ዝኸፈሎ ብር ዝቕነስ ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ ብተወሳኺ ምግቢ ኣብ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት