ግልፂ ጨረታ
ማ/ተ/ሰ/ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግቢነት ግልሎት ዝውዕል ባኒ ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተርከበ ባኒ ሰሪሕኩም (ኣብሲልኩም) ክተቅርቡ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ሮቋሒታት ኣማሊእኩም ምራት ከም ዝካኣልንገልፅ፡፡
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኢሉ እውን ናይ ኤሌትሪክን ናይ ዕንጨይቲን መሰንከቲ ባኒ ማሽን ዘለዎ ኩኮውን ኣለዎ።
2. ብ 24፡00 ሰዓት (ሓደ መዓልቲ) ሰዓት ልዕሊ (ሳላሳ ሽሕ) ባኒ ኣብሲሉ ከቅርብ ዝኽእል ማሽን ዘለዎ።
3. ኣብ ዝተኣዘዞ ሰዓት ከረክብ ዝኽእል ማለት እውን ናይ ትራንስፖርት ወይ ናይ ማሽን ፀገም ኣጋጢምኒ ክብል ዘይክእል።
4. እቲ ዝስንከት ባኒ ብበዝሒ ኣባላት እናተርኣየ ክቅነስን ክውስክን ከምዝክእል ክትፈልጡ ይግባእ።
5. ተጫረቲ ኣብ ማ/ተ/ሰ/ትግራይ መለስ ካምፓስ ካብ ዕለት 10/10/2017ዓ/ም ጀሚርኩም ዘይምለስ ናይ ጨረታ መክበሪ 150(ሓደ ሚኢትን ሓምሳን _ ብር) ብምሓዝ ክሳብ 26/10/2017ዓ/ም ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ መለስ ካምፓስ ዕደጋ ክፍሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ትክእሉ ኢኩም።
6. ተጫረቲ እቲ ጨረታ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘሎውሉ ቴክኒካል ስፐስፊካሽን ዕለት 26/10/2017ዓ/ም / ፋይናንሻል ስፔስፊኬሽን ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡3ዐ ይክፈት።
7. ናይ ጨረታ መኽበሪ 100,000(ሓደ ሚኢቲ ሽሕ)ቅርሺ ብባንኪ ዝተራጋገፀ CPO ብሽም ማ/ተ/ሰ/ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእቲ ኣለዎ።
8. ተጫረቲ እቲ ኣብ ኢድኩም ዝርከብ ማሽን እንታይ ከም ዘጣቃላል ብዝተዓሽገ ፖስታ መብርሂ ሒዝኩም ክትምፁ ይግባእ።
9. ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሻን ስ/ቁፅርን ከቅምጡ ኣለዎም አሊ እውን ፋይናንሻልን ቴክኒካልን እስፈስፊኬሽን በበይኑ ብፖስታ ተዓጂጉ ክመፅእ ኣለዎ።
10. ትካልና ዘሐሽ መማረፂ እንተረኪቡ ሙሉእ ብሙሉእ ኮነ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።