የውቕሮ ማረሚያ ተቋም

ቁፅሪው/ማ/ህ/---%....../2017

ዕለት 09/10/2017ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ውቅሮ ቤት ህንፀት ማእኸል ንሕጊ ተሃነፅቲ ን2018 ባጀት ዓመት ንሓደ ዓመት ውዕሊ ኣስሩ ክምግብ ዝኽእል ሕጋዊ ነጋዳይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳድሩ ከህብ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ክትዋዳዱ እትደልዩ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1. ብናይ ሆቴል/ቑስ ቤት ንግድ ፍቃድ ዘለዎ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሃደሰ ኮፒ ዘቅርብ ፡

2. ናይ መቅረባይነት ሰርቲፍኬት ናይ 2017ዓ/ም ዝተሃደሰ ናይ ዝምልከቶ ኮፒ ዘቅርብ ፡፡

3. ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለይ ቲን ናምበርን ቫት ዝተመዝገበሉን ሰርትፍኬት ኮፒ ዘቅርብ።

4. ወርሓዊ ናይ ቫት ሪፖርት/ድክላረሽን/ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2017ዓ/ም ዘቅርብ፡፡

5. 14 ዝተዘርዘሩ ኦርጅናል ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝኸእል።

6. መኸበሪ ጨረታ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ብባንኪ ዝተራጋገፀ ቸክ/C.P.O/ብጥረ ገንዘብ ብር 20000.00 /ዕስራ ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝኽእል።

7. ንሓደ ተሃናፂ መዓልታዊ ባጀት ምስ ቫቱ ብር 53.45/ሓምሳን ሰላስተን ብር ምስ 45/100 ኾይኑ ኣብ ወርሒ ድማ 1603.50/ሓደ ሽሕን ሽዱሽተ ሚኢትን ሰለስተን ብር ምስ 50/100 እዩ ፡፡

8. ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተረጋገፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥርዓን ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ

ስራሕ መዓልቲ ውዕል ከኣስር ዝኽእል በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን፡፡

9. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 09/10/2017ዓ/ም ክሳብ 24/10/2017ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢት ቅርሺ እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 4* ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ክወስዱ ይኽእሉ። እቲ ጨረታ ዕለት 24/10/2017ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኸፈት::

10. ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ተቕባልነት የብሉን ብተወሳኺ ንዝወፀ እስፐስፍኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረኸበ ተወዳዳሪ ካብ ዉድድር ዉድቂ ከምዝግበር ክፈልጥ ኣለዎ።

11. ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቕላላ ናይ ወርሒ ዝከፈሎ ብር 10%መኽበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ንዘቕርቦ ግልጋሎት ምግቢ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 3,000ብር እንተኾይኑ 2%ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይኸፍል።

12. ናይዚ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾነ ኣካል ካብ ውዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ብናይ ባዕሉ መሳርሒ ንብረታት ስራሕ ጀምር አብ ዝተብሃለሉ ስርሑ ክጅምር ዝኽእል

13. ናይ ማይን መብራህትን ክፍሊት ብመስራቤት ዝሽፈን ኾይኑ ዝተረፈ ኩሉ ናይ ሰራሕተኛታት ይኹን ኻልኦት ወፃእታት ባዕሉ ዝሽፍን ፡

14. ዋጋ ጨረታ ፀንዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 20' ናይ ስራሕ መዓልቲ ኸውን።

መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፤፤

ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ 0942660820 ወይ 0914112307 ምሕታትይከኣል

ቤት ህንፀት ውቅሮ