የትግራይ ክልል ትምህርት ቢሮ

1ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ

2 ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኬት ማለት እዉን ምስክር ወረቀት ዘለዎም

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎም

4 ቫት ተመዝጋቢ ምከኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓም ቫተ ድክለሬሽን ዘቅርብ

8 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዋጋ መሸጣ ዘይመለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

9 ጨረታ ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ጨረታ ምልክታ ብሬድዩ ቴሌብዥ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 12 ብምም ዝተጋወሐሉ እዋን ክሳብ 29/9/2017 ክሳብ 13/10/2017 ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስራሕ ሰዓት ይከዉን

10 ተጫረቲ መሊኡም ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ተቀባልነት የብሉን

11 ብናይ ቢሮ መምሊ ቅጥዒ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ንኒበይኑ ብፖስታ ተዓሺጉ ክሳብ 13/10/2017 ዓም ሰዓት 8:45 ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ክኣትዉ ይግባእ ልክዕ ሰዓት 8:45 ምስኣከለ ይዕሸግ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ሰዓት 9:00 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ መኣከቢ ኣዳራሽ ዝክፈት ይከዉን

12 መክበሪ ጨረታ 15000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ

13 ተጫረቲ ሰዓራይ ምኮኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጠ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር

14 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታን ካሊእ መብራርሂን ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራሕ ምሕታት ይከአል

15 ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዉዕሊ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ዕለት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታሊ መዓል ናብ ንብረት ክፍሊ ቢሮ ትምህርቲ ኣታዊ ይገብር

16 ዝኮነ ተጫራታይ እቲ ቤት ዕዩ ብዝዳለወ ስፐስፊኬሽን መዓቀኒ ዝዉስክ ወይ ዝንኪ ወይድማ ስርዝ ድልዝ ዝገበር ካብ ዉድድር ወፃኢ ዝገብር ምካኑ ክፈልጥ አለዎ

17 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

18 ፋይናንሻልን ቴክነካልን ብምድላዉ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ይግባእ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344403477  0344408299