ማይጨው ሕርሻ ኮለጅ

ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 03/2017

ንማይጨው ሕርሻ ኮለጅ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፡ ናይ እንስሳት መድሓኒት ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ናይ ትራክተር መኪና ስፔር : ናይ ማይ ኣቁሑትን ፡ ናይ ኤሌትሪክ ኣቁሑት ፣ ናይ ዘርኢ ቲማትምን ናይ ህንፃ መሳርሒን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ከተማልኡ ይግባእ፡፡

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዝኩም ክተቕርቡ እትኽእሉ

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን I ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ መጋቢት ዴክሌር ዝገበርኩሙሉ መረዳእታን

3. ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርቴፊኬትን ናይ ክትቅርቡ እትኽእሉ፣

4. ናይ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት ዝሓዝኩም

5. ሰነድ ጨረታ ፎቶ ኮፒን ኦርጅናልን ብ2' ፖስታ /ኢንቨሎፕ/ ተዓሽጉ ከቅርብ ዝክእል

6. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ _ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ብፅሬትን ብመጠንን ተቕርቡ ምዃንኩም ፣

7. ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓርኹምዎ ንብረት ሓደ ዓይነት ዋጋ ንዘቅረብኩም ተወዳደርቲ ብዕጫ እትፍለዩ ምዃኑ፣

8. መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ ፣

9. ኣብ ነሰድ ጨረታ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ ፣

10. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 200.00 /ኸልተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ካብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ቁፅሪ ቢሮ 02 ሀ-8-25 ካብ ዕለት 12/09/20017 ዓ/ም ክሳብ 26/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኸእሉ ፣

11. እቲ ጨረታ ዕለት 27/09/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ተኣሽጉ ኣብቲ ዕለት ስዓት 4፡00 ኣብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት ፡፡

12. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ብር 2000.00 /ኸልተ ሽሕ ብር/ ብCPO ፣ ብባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትኸእሉ

13. ዝተወዳደርሉ ሰነድ ኮፒን ኦርጅናልን ክትኣቅርቡ እትኸእሉ ከምኡ ድማ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ሕድ ሕድ ገፅ ናይ ተጫረቲ ማህተም ብምግባር ብዝተኣሸገ ፓስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥንዱቕ ተእትው ትክእሉ፡፡

14. ናይ ሕድ ሕድ ንብረት መዐቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬት ምኻኑ ኣስተውዒሎም ዋጋ ይምልኡ፡፡

15. ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347,70398 ደዊልኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር

ማይጨው ሕርሻ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ