ፍር ስዋኣት የንግድ ስራዎች ኋላ/የተወ/የግ/ማ

ዘገልገሉ ዝተፋላለዩ ዓይነታት ንብረት ንምሻጥ ዝወፀ ምልክታ ጨረ

ትካልና ፍረ ስዉኣት ስራሕቲ ንግዲ ሓላ/ዝተ/ዉ/ ማሕበር ኣብ ዋና መኽዝኑ ዕላላ ጥቓ ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ ጨንፈርን ኣብ ክ/ከተማ 1ይ ወያነ ዝርከቡ ዘገልገለ ንብረታት ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ። ኣብቲ ረታ ዝሳተፉ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሕታት:

  1. ተጫራታይ ናይ 2017 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ ክኸዉን ኣለዎ
  2. ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር10,000.00(ብር ዓሰርተ ሽሕ)ብሽም ትካልና Cpo ዘትሕዝ ክኸዉን ኣለዎ
  3. ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ንመሸጣ ዝቐረበ ንብረት ዝገዝእሉ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ብግልፂ ኣብ ዝተዋህበ ሰደቓ ክመልኡ ይግባእ ።
  4. ተጫረቲ ቲን ሰርቲፊኬት ክቕርቡ ይግባእ
  5. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ ። እንተዘይ ኮይኑ ቫት ከምዘይሓወሰ ተገይሩ ይወሰድ
  6. ተጫረቲ ካብ ጉንብት 4/9/2017 ዓ.ም ክሳብ ጉንበት 13,2017 ዓም ዘይምለስ ብር 20000 እናኸፈልኩም ካብ ዋና ቢሮና ኣብ ይሓ ሲቲ ሰንተር ህንፃ 7ይ ፎቕ እናመፃእኹም ናይ ጨረታ ሰነድ ክትዕድጉ ይግባእ ።
  7. ጨረታ ጉንበት 14,2017 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓሸጉ ኣብቲ ዕለቱ፡ ንጉሆ ሰዓት 3:40 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት።
  8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ኣብቲ ጨረታ ንዝተዘርዘሩ ንብረታት ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሓደ ሰሙን ዉሽጢ እቲ ጠቕላላ ዋጋ ምስ ከፈለ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ካብ ዋና መኽዝናን ጨንፈርናን ከልዕል ይግባእ ። እተዘይኣልዒሉ ቅድም ኢሉ ዘትሐዞ ናይ CRO ገንዘብ ብር 10,000 ናብ ትካልና ኣታዊ ተገይሩ አቲ ጨረታ ተሰሪዙ ካሊእ ኣመራፂ ክንጥቀም ንኽእል ኢና ።
  9. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖስታ ዓሺጎም ማሕተም ብምሕራፍ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ክሳብ ጉንበት 14,2017 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም ።
  10. በዝሒ ናይቲ ንጨረታ ዝቐረበ ንብረት ክዉስኽን ክቕንስን ዝኽእል ምዃኑ ኣሚኑ ክሳተፍ ፍቓደኛ ዝኾነ
  11. ኣብ መንጎ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ኣፈላላይ እንተሃልዩ ነፀላ ዋጋ ይዉሰድ ።
  12. ትካልና ብምሉእ ይኹን ብኽፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ ።
  13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 0914729393 ምድዋል ይከኣል ።