ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ፅህፈት መሳርሒ ኣቁሑት ( Stationery Matreials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ:: ስለዚ ኣብቲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቲን ቁፅረ፣ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 28/08/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 12/09/2017 ዓ.ም እዮ :: ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ ሓሙሽተ /5፡00/ ናይ ንጉሆ ይከዉን :: ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይኽእሉ፡፡
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 12/09/2017 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።
6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡
8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን።
9. እቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡