የመቐለ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጋዓዝያ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና ስፔር ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ከተሓሕዝ ዝኽእል ፡፡

2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 06/06/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 12/06/2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ 12/06/2017 ዓ/ም03፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 04፡00 ይኽፈት ፡

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ዕለት፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ከቅርቡ ኣለዎ ። 

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል ።

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ፡፡

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡

+.ሪዝርዝር ዓይነት ንብረትዝርዝር መፍለይሞዴልመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋመብርሂ
1ቲስቲታMR133563MISS K 74406ቁፅሪ01
2ቲስቲታ ጋስኬትMR133563MISS K 744:06ቁፅሪ01
3ታይሜንግ ቤልትMR133563MISS K 74ቁፅሪ01
4ቫልቭ ኢንቲክMR133563MISS K 74ቁፅሪ04
5ቫልቭ ኢግዞስትMR133563MISS K 74ቁፅሪ04
6ቫልቭ ሲልMR133563MISS K 74ቁፅሪ08
7ካም ሻፍት ሴልMR133563MISS K 74 206ቁፅሪ01
8ክራንክ ሻፍት ሴልMR133563MISS K 74406ቁፅሪ01
9INJETION PUMP22100-54710166ቁፅሪ01