በትግራይ ክልል ጊዜያዊ አስተዳደር የዉሃና ኢነርጂ ቢሮ

ግልፂ ጨረታ ምልክታ

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል ን2017 በጀት ዓመት ትካልና ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣጫሪቱ ክዕድግ – ስለ ዝደለየ ብዝስዕብ መለክዕታት ዘማልኡ ሕጋውያን ትካላት ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ንክትጫረቱ ይዕድም ።

ስለዚ እዚ ስዕብ ሮቋሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፤ መቅረባይነት ሰርትፊኬትን ቲን/Ti/ቁፅርን ናይ ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ቫት ዲክሌሬሽን ክሳብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓም ዘቅርቡ፡

2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ መደበኛ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ካብ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት10/4/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 05/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ንሕድ ሕድ ዓይነት ጨረታ ዘይምለስ ብር 100 ብር ብምኽፋል ምዉሳድ ይከኣል፣

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ CPO 3000 ብር ከትሕዝ ዝኸእል

4. ሳዓራይ ናይ ዝሰዓሮ ጠ/ዋጋ 10% ውዕሊ መክበሪ ክትሕዝ ይግባእ::

5. እቲ ጨረታ ዕለት 01/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 01/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ተዘይሃልዮም ውን ይክፈት

6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ዝኸእል፡ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒ ነኒ በይኑ ዝተዓሸገ ከቕርብ

7. ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ሕልው እዩ፣፣

8. አድራሻና አብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ ኣብ ቁፅሪ 13 እዩ፣ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስኪ ቑፅሪ 0914032454 ምድዋል ይከአል

9. ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት አብ በዓል እንተዊዒሉ አብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት

10. ተጫረትቲ ዘቅርብዎ ናይ ጨረታ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ ወይ ዘይረአ ዛሰሰ እንተኮይኑ ቀጥታ ኣብ ውድድር ወፃኢ ይከውን።