1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም : ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን :  መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ሐደሽቲ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ነጋዶ ሒሳብ ዘይወራረድሉ ምክኒያት ብደብዳቤ ድጋፍ ከቅረቡ አለዎም

3 ተጫራቲ ናይ 2016 ዓም ግብሪ ዝከፈሉልን ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ዝሐደስሉን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ዓም ሒሳብ ዝወራረድሉን መረዳእታ ዘቅረቡ

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ነፀላ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋንብንፁር መሊኦም ስምን አድራሻን ከምእን ፊርማን ማህተምን ገይሮም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጎም ሕድሕድ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ተማሊኡ ኣብ ደጋፍ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ማእከል ቤት ህንፀት ከተማ ዓብይ ዓዲ ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይክእሉ

5 ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዘሸነፍሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሪም መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእተዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉን

6 እቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ማእከል ቤት ህንፀት ከተማ ዓብይ ዓዲ ከቅርቡ ዝክእሉን

7 ነጋዶ ካብቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝወፀ ዝርዝር ንብረት ወፃኢ ካሊእ ምብርሂ ምክማጥ ወይ ምቅያር ኣይፍቀደሉን

8 ተጫረቲ መምርሒ ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደጋፍ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር  ፋይናንስን ማእከል ቤት ህንፀት ከተማ ዓብይ ዓዲ ምዉሳድ ይክእሉ

9 ተጫረቲ ንዘቅርብዎ ንብረት መርኣይ ካብ ትካል መፂኦም ክወስዱን ክርኢን ይክእሉ እዩም

10 እዚ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሕ ግዜ ካብ ዕለት 23/1/2017 ዓም ክሳብ 14/2/2017 ዓም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ 14/2/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ረፋድ ሰዓት 4:00 ይክፈት

11 ተጫረቲ ንጨረታ መከበሪ ዝምለስ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብብንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ማለት እዉን ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ

12 ተጫረቲ ግልፂ ዘይኮነሎም ብኣካል መፂኦም ወይ ብሞባል ስልኪ 0942253841

13 ማእከል ቤት ህንፀትና ዝሐሻ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ