የትግራይ ክልላዊ መንግስት ከተማ ልማትና ኮንስትራክሽን ቢሮ

ምልክታ ፕሮፎርማ መሰከረም - 2017 ዓ.ም

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዱዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

• በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም ፡፡

• በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዝተሓደሰ መቕረባይነትክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 8/1/2017 ጀሚርኩም ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 10/1/2017 ስዓት 3፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኸእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 8፡00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ስዓት 8፡30 ይኸፈት፡፡

• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፡፡

• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ኦርጅናል ንብረት ኣታዊ ዝገብር፡፡

• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

• ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡