ቃላሚኖ ልዩ ሁለታኛ ደረጃ ት/ቤት

ቁፅሪ 01/03/400-406/2016

ዕለት 13/12/2016 ዓ/ም

ግልፂ ጨረታ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ን2017ዓ/ም በጀት ዓመት ንተምሃሮ ቀለብ ዝኸዉን 1ይ. ፃዕዳ ጣፍ ÷ 2ይ ፊኖ÷ 3ይ. ኣትክልትን ፍራምረን(አስቤዛ)÷4ይ. ጥራምረ÷5ይ. ምግብን ቅብኣትን ÷6. በርበረ ዛላ ÷7ይ እንቁላሊሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም

ተደላይ ረቛሒታት ዝርዝር ከምዝስዕብ ይኸውን

➢ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ከትሕዙ አለዎም።

➢ ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2016 ዓ/ም ዲክላራስዮንን ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል። ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተጠቐሰ ጨረታ መኽበሪ መጠን ገንዘብ ብስፒኦ(CPO) ከቕርብ ዝኽእል፡፡

➢ አብ መዘርዝር/ እስፐሲፍኬሽን /ብዝቐረቡ ጥራሕ ከቕርብ ዝኽእል ።

➢ ኢዚ ጨረታ ሲዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ውዕል ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ እዚ ጨረታ ክመልእዎ ከለዉ እቲ ዋጋ ምስ ቫቱ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ይሕብሩልና አንተዘይሓቢሮም ምስ ቫቱ ከም ተመልአ ተገይሩ ይውሰድ።

➢ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ።

➢ እቲ ጨረታ ቤት ትምህርትና 20% ናይቲ ንብረት ምቕናስን ምውሳኽን ይኸእል እዩ።

➢ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 (ሚእቲ ቅርሺ ጥራሕ) ብምኽፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ የውሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 135 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ድሕሪ ስዓት 8፡00 ክሳብ 11፡00 ምውሳድ ይከኣል፡፡

➢ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰልና ዝተሓለወ እዩ።

➢ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 14/12/2016 ዓ.ም ክሳብ 29/12/2016 ዓ.ም ፀኒሑ፤ ዕለት 29/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ታዓዕዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ኣዳራሽ ፍሉይ 2ይብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኩሎም ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

NB. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0945462700/0914763004 ደዊሎም ምሕታት ይከአል እዮ።