ትግራይ ኢንተርፕራይዝ ዉሃ ስራዎች

ግልፂ ጨረታ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ FSR መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ብር 100.00 ብምኽፋል ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ናይ ወርሒ ሰነ ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

5. ጨረታ መኽበሪ ብ CP.O.ወይ ብጥረ ገንዘብ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡

6. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ውዕሊ ኣሲሮም ብውዕሊ መሰረት የረክቡ፡፡

7. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 04/12/2016 ክሳብ 17/12/2016 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓሽጉ ስዓት 4፡30 ይኸፈት ፡

8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::