ዓዲሓ ሰኣሊተ ምህረት ቅድስቲ ኪዳናምህረት

ዕለት 25/11/2016 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ

ዓዲሓ ሰኣሊተ ምህረት ቅድስቲ ኪዳናምህረት ብኣንፈት ደቡብ ዘስረሖ በሪ ሓፂን ማዕፆ ብመስረሓይ ቴክኒክ ኮሚቴ ብዝወፀሉ መነወሪ ( Specification ) መሰረት ከሰርሕ ይደሊ።

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ።

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት ወረቐት ምስክር(Tin number) ዘለዎ።

3. በቲ ዝተነፀረ ሞዴል (Specification) ብናይ ቤተክርስቲያን መስረሓይ ቴክኒክ ኮሚቴ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ስራሕ ሰዓታት ውዕሊ ዝኣስር።

4. ናይቲ ኣሰራርሓ መነፀሪ ሰነድ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር / ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ምውሳድ ይከኣል። እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ ዕለት 30/11/2016 ክሳብ ዕለት 10/12/2016 ኮይኑ ዕለት 10/12/2016 ሰዓት 4:00 ጨረታ ተዓፂዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዝተረኸብሉ ይኽፈት።

እቲ ቤተክርስቲያን ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ቁዕርታት ሞባይል 0914701261 / 0914019615 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል