ሂወት እርሻ መካናይዜሽን ኃ/የተ/የግ/ማህበር

ምልክታ ጨረታ

ትካልና ሂወት ሕርሻ መካናይዘሽን ሓላፍነቱ ዝተ/ው/ማሕበር ኣብ ከተማ መኾኒ ዘጣየሾ ፋብሪካ መቐነባበሪ ቐለብ እንስሳት እታወት ዝኸዉን ዕፉንን ፍሩስካን ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ነጋዶ እዞም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቐንታት ብምምላእ ክትወዳደሩ ንዕድም።

ተ/ቁዓይነት እታወትመዐቀኒበዝሒ
1ቢጫ ዕፉንኩል200
2ፍሩስካ ናይ ስርናይኩ/ል500

• ተጫራታይ ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

• ዕፉን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ገዚኡ ከቕርብ ዝኸእል

• ፍሩስካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ግዚኡ ከቕርብ ዝኽእል

• ናብ ትካልና ዝቐርብ እታወት ኣቀዲሙ ብሳምፕል መልክዕ ብምቅራብ ናይ ትካልና ናይ እታወት ዕራት መዐቀኒ ከማልእ ዝኽእል

• ተወዳዳራይ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ብር 100 (ሓደ ምኢቲ) ከፊሉ ብምዉሳድ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኣድለይቲ ዶክሜንት ብምክታት ናብቲ ዝተዳለወ ሳዕን ጨረታ የእቱ

• ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ገይሩ ፋብሪካና ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ኸተማ መኾኒ ከቕርብ ዝኽእል

• ዘቕረቦም እታወታት ኣቀዲሙ ሳምፕል ብዘርአዮ መዐቀኒ መሰረት ናይ ፅሬት ጉድለት ዘለዎ እንተቕሪቡ ብናይ ባዕሉ ወፃእታት ተመላሲ ይግበር።

• እዚ ምልክታ ካብ ዕለት 24/11/2016ዓ/ም ክሳዕ 01/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይፀንሕ።

• ጨረታ ዝፈተሉ ዕለት 01/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ/ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሂወት ሕርሻ መካናዜሽን ከባቢ ዓዲ ሓቂ ጎኒ ሮማናት ክልኒክ ዘሎ ቤ/ፅሕፈትና ይኸፈት።

• ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ

ሕሉው እዩ።

ስ.ቁ 0914-043076

ምስ ሰላምታ