የትግራይ ልምዓት ማሕበር

ምልክታ - ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቀለም ፎቶ ኮፒን ፕሪንተርን መሊእኻ (Recycling) ኣብ ግልጋሎት ንምውዓል ዘካይዱ ዝምልከቶም ትካላት ብምዕዳም ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት (በጀት ዓመት 2017) ውዕለ ብምእሳር ከስርሒ ይደሊ፡፡ 

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ

ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲፍቃድ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 3,000.00 ዘትሕዙ፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ስራሕ ምንካይን ምውሳኸን ይኸእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 50.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 10/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት ፡