ትግራይ ክልል ጤና ቢሮ

1 ናይ 2016 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳአታ ከምእዉን

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

4 ንሽድሸተ ወርሒ ዘገልግል ግብሪ ዝከፈሉሉ መረዳእታን ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ዝርዝር መዓቀኒ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ምዝገባ ምስክር ወረቀትተወሰክቲ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ናይ ዝሐለፈ ሰለስተ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 መክበሪ ጨረታ ንነብሰከፍ ሎት 100 / ሐደ ሚኢቲ ቅርሺ / ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ሰነድ ጨረታ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዋና ቅዳሕን ብጠቅላላ ኣርባዕተ መረዳእታ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 18 ሐምለ 2016 ዓም  ን 15 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ  ዕለት 3/12/2016 ዓም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት

9 ሰዓራይ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር ረቆሒ መረዳእታ ከቅርብ አለዎ

10 ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት  ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ 20 መዓልቲ ናብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ አታዊ ይገብር

11 ጨረታ ዝከፈተሉ ዕለት በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት

12 ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

13 ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ብተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 መምርሒ ቁፅሪ 04/2007 ተገዛኢ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715